የ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ጽሑፎች በPDF እና በድምጽ
2.15K subscribers
51 photos
2 videos
26 files
54 links
እዚህ ቻናል ላይ የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን እምነት የሚያንጸባርቁ ጽሑፎች ይለቀቃሉ
Download Telegram
#ሎመዓንቲ_ታሪኽ_ክንሰርሕ_ኢና
Share. Share. Share
ኹላትና ብሓደ! ናይ ኣዋርሕ ትልምና፣ ናይ ሰሙናት ኣኼባታትና፣ ኣብ ፌስቡክ ከም ዕቡድ ሰብ ዝነባሕናሉ፣ በቢዕለቱ ንጎይታ መስቀል ዝፀሓፍናሉን ፕሮፋይልና ዝቐየርናሉን ነገር ብተግባር ንፍፅመሉ እዩ። ናይ መቐለ አባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ንእምነትና ተገደስቲ መናእሰይን ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና#ማንም_ሰብ ቅድሚ 10:30 ናብ ጮምዓ #ከይድይብ! ምስ መዘምራንን ካህናትን ካብ 7:00 ካበየ ቤ.ክ ብምውፃእ እናዘመርና 10:30 ጮምዓ ክንኣቱ ኢና። ብዝማሬ ምድረ ሰማይ ድብልቕልቕ ክነብሎ፣ መስቀል ጎይታና ኣብ ዓይኒ ኩሉ ሰብ ልዕል ክነብሎ ኢና። "መስቀል ብመዝሙር እምበር ብደርፊ ኣይኽበርን" ዝብል ዓበይቲ ባነራር ሒዝና ናብ ርእሲ ጮምዓ ንወፅእ ኢና!

ኣብ ልዕሊ ጮምዓ ንዝፀንሐና አጋንንቲዊ ደርፍን ጓይላን ድማ በቲ ዝማሬና እናሰላዕና ብዕልልታ እናቖረፅና ንጮምዓ ክንወርሶ ኢና። ጮምዓ ቦታ ክሳብ ዝፀብብ ብዘማርያንን መናእሰይን ዓብለቕለቕ ክብል እዩ። #ሓደራ! ክትደርፍን ክትስዕስዕን እንተመፂኻ እቲ ዝመፅእ ሰልፊ መዘምራን ሓያል እዩሞ ፀግዕኻ ሓዝ። ኣይሰማዕኹን ከይትብል! ንዝሞተልካ ጎይታ ክትዝምር እንተመፂእኻ ግና ናብቲ ናይ ዝማሬ ማዕበል ተወሰኽ! ድሕሪ 10:30 ናይ መላእክቲ ዝማሬ እምበር ናይ አጋንንቲ ደርፊ፣ ናይ ያሬድ ሽብሸባ እምበር ናይ ሰይጣን ዕብዳን ኣይህሉን። ጉባኤና ተሳቲፍና መስወልንል ኣኽቢርና ኣብርሂናን ሓሙስ ድማ እቲ ታሪኽ ብዕዙዝ መልክዑ ኣፍ ብዘኽፍት መንገዲ #ክንደግሞ_ኢና!
Share ብምግባር ኣዋጅ ንኣውጅ! ንዘይሰምዑ ነስምዕ!
©Binyam ZeChristos መስከረም 16 - 2011
Send this to your telegram friends
┈┈┈┈••●◉❖◉●••┈┈┈
@ethiopianorthodoxbooks
@ethiopianorthodoxbooks
@ethiopianorthodoxbooks
┈┈┈┈••●◉❖◉●••┈┈┈
To join our channel click the one in blue

ተዋሕዶ ለዘላለም ትኑር