Kulu Media ኩሉ ሚድያ
11.5K subscribers
58 photos
11 videos
3 files
371 links
Welcome To Kulu Media ኩሉ ሚድያ

ኩሉ ሚድያ - ፍልፍል ፅፉፍን እዋናውን ሓበሬታ
Kulu Media - A source of Latest & Reliable Information.

Subscribe on YouTube
https://youtube.com/c/KuluMedia


Follow us on Facebook
https://facebook.com/KuluMedia
Download Telegram
ኩዌት በወርሃዊ የ300 ዶላር ክፍያ ኢትዮጵያን ሰራተኞችን ልትቀጠር መሆኑ ተገለጸ

ኩዌት የሦስት ወራት አስገዳጅ ስልጠና የወስዱ ኢትዮጵያውያን ሰራተኞችን ለመቀበል ከመንግሥት ጋር ስምምነት ላይ መድረሷ ተገልጿል።

በኹለቱ መንግሥታት በኩል መግባባት ላይ መደረሱን ተከትሎም፤ በጥቂት ቀናት ውስጥ የጋራ የሥራ ስምምነት እንደሚፈረም የአረብ ታይምስ ዘገባ አመላክቷል።

ከስምምነቱ በኋላ በኢትዮጵያ የሚገኙ 600 የሚሆኑ የሰራተኛ አገናኝ ኤጀንሲዎች የሰው ኃይል በማቅረብ እንደሚሰሩ የተነገረ ሲሆን፤ ሰራተኞች ቢያንስ ብቃቱ ከተረጋገጠ ተቋም የ3 ወር ስልጠና መውሰድ አለባቸው ተብሏል

ኩዌት ከፍተኛ ቁጥር ያላቸውን የቤት ሰራተኞች የምታገኘው ከፊሊፒንስ ሲሆን፤ በኹለቱ አገራት መካከል የተፈጠረውን ውጥረት ተከትሎ አገሪቱ የሰራተኛ እጥረት በማጋጠሙ ኢትዮጵያውያን ሰራተኞችን ለመቀበል ማቀዷን ነው ዘገባው ያመላከተው።

የኢትዮጵያ መንግሥት ከኩዌት መንግሥት ጋር በተስማሙት መሰረት፤ አንድ ሰራተኛ በወር 90 ኩዌት ዲናር (300 ዶላር) ይከፈለዋል የተባለ ሲሆን፤ ይህም በወቅታዊው የምንዛሬ ተመን ወደ 16 ሺሕ የኢትዮጵያ ብር የሚጠጋ ይሆናል። ወደ ፊትም ወርሃዊ ክፍያዉ እስከ 500 ዶላር ከፍ ሊል እንደሚችልም ተጠቁሟል።

የኢትዮጵያ መንግሥት ከዚህ ቀደም ኩዌትን ጨምሮ ከቤሩት፣ ከእስያ እና አውሮፓ አገራ ጋር የስምምነት ሥራዎች እንደተጀመሩ መግለጹ
ይታወሳል።

More info
👇👇👇👇👇👇
t.me/KuluMedia
👆👆👆👆👆👆
ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግቢ ኣስታት 13 ህጻናት ሞይቶም ክብል ሆስፒታል ዓይደር ኣፍሊጡ ።
ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግቢ ኣስታት 13 ህጻናት ሞይቶም ክብል ሆስፒታል ዓይደር ኣፍሊጡ

ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ 13 ህጻናት ከምዝሞቱ፡ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ተጠቒዖም ናብቲ ሆስፒታል ካብ ዝኣተዉ ህጻናት፡ ኣብ ግንቦት ጥራይ ሸውዓተ ህጻናት ከም ዝሞቱ እቲ ሆስፒታል ኣብቲ ሓበሬታኡ ኣረጋጊጹ ኣሎ


ስፔሻሊስት ሕክምና ህጻናት መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ስምረት ንጉሰ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብቲ ሆስፒታል ብሕጽረት ምግቢ ዝተጠቕዑ በብወርሑ ሰለስተ ህጻናት ይሞቱ ከም ዝነበሩ ብምሕባርካብ ጥሪ ንነጀው ብሕጽረት ምግቢ ጥራይ በቢወርሑ 13 ህጻናት ብማእኸላይ ይሞቱ ከምዘለው ብምዝኽኻር



ካብ ሚያዝያ 2015 ኣትሒዙ ናብቲ ሆስፒታል ዝኣትዉ ግዳያት ሕጽረት ምግቢ ዝዀኑ ህጻናት እናበዝሑ ይመጽኡ ምህላዎም ዝሓበረ እቲ ሆስፒታል፡ ኣብዚ እዋን ኣመና ኣሰካፊ ኣብ ዝዀነ ኵነታት ዝርከቡ 32 ህጻናት ኣብቲ ሆስፒታል ደቂሶም ጽዑቕ ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ


መብዛሕትኦም ተሓከምቲ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተመዛበሉን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጽኡን ህጻናት ምዃኖም ከኣ ኣቲ ሆስፒታል ዝሃቦ ሓበሬታ የመልክት



ናብ ዋርድ መደቀሲ ክፍሊ ሕሙማት ዝኣትዉ ህጻናት እቶም ኣመና ዝተሃሰዩ፤ ኣብ ደገ ኰይኖም ሓገዝ ምግቢ እናተተገበረሎም እውን ክሓውዩ ኣይክእሉን ተባሂሎም ዝተሓሰቡን ብምግቢ ጥራይ ዘይምለሱን ቈልዑት እዮም ዝበለ እቲ ሆስፒታል



ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝፀንሐ ኣፋውስን ቀረብ መሳርሒ ሕክምናን፡ ምስቲ ዘሎ ጠለብ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት ከምዝዀነን ኣብዚ እዋን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ንትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ሓገዝ ደው ብምባሎም ልዕሊ ዅሉ ህጻናት ግዳያት ይዀኑ ከም ዘለዉ ገሊጹ ኣሎ ።

More info
👇👇👇👇👇👇
t.me/KuluMedia
👆👆👆👆👆👆
ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ህሉው ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ዘየገናዘበ ንዓማዊላቱ ሕሉፍ ዕዳ ምስ ወለዱ ክፈሉ ብምባል ፀረ-ህዝቢ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ዓማዊል እቲ ትካል ከሲሶም።


More info
👇👇👇👇👇👇
t.me/KuluMedia
👆👆👆👆👆👆
ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ህሉው ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ዘየገናዘበ ንዓማዊላቱ ሕሉፍ ዕዳ ምስ ወለዱ ክፈሉ ብምባል ፀረ-ህዝቢ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ዓማዊል እቲ ትካል ከሲሶም


ካብ ማሕበር ኣክስዮን ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ገንዘብ ተለቂሖም ዝነበሩ ግን ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ሃፍቶሙን ንብረቶሙን ዓንዩ ንከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልዉላው ተሳጢሖም እንዳሃለዉ እቲ ትካል ግን ዕዳ ምስ ወለዱ መልሱ ይብለና ኣሎ ዝብሉ ወገናት ይበራኸቱ ኣለዉ፡፡




እዚ ትካል ብዘረባ ድኣ እዩ ናይ ህዝቢ ትካል እየ ዝብለና እምበር ብተግባርስ ኣንፃርና እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ዝብሉ ኣካላት እዉን ኣይተሳኣኑን



እዚ ጉዳይ ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ከመይ ይሪኦ ብዝብል ንዘቐረበሎም፡ሕቶ ምላሽዝሃቡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ኣብዝሃብዎ ምላሽ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ይርዳእና እዩ ድሕሪ ምባሎም ግን ድማ እቲ ትካል ክፃወሮ ዝኽእል ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራሕ ወለድ ገዲፍና ኢና ካብዚ ንላዕሊ ግን ኣይዓቕምናን ክብሉ ዝገለጹ ኮይኖም፡ናን መዓልቲ ብዝወሰኸ ቑፅሪ እቲ ወለድን ዕዳን ንባዕሉ ክደራረቦ ከም ዝኽእል ግን ክፈልጥ ይግባእ ኢሎም፡፡




ኣብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ኩነታት ትካላት ፋይናንስ ምስቲ ዝገጠመን ዕንወት ጉዳይ ዓማዊለንን ተዛሚዱ እንታይ መፍትሒ ክቕመጥ ይእኽእል ንዝብል በዓል ሞያ ፋይናንስን ስነ ቁጠባን ኣይተ ኣብርሃ ተኽሉ እንትገልፁ ኣብ እዋን ኩናት ወይድማ ኮቨድ 19 ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝወሰድኦ ተመኩሮ ከም ሓደ መፍትሒ ኢሎም ዘቐመጥዎ ካብ ዕዳ መኽፈሊ ግዜ ምንዋሕ ክሳብ ጠቕሊልካ ዕዳ ምስራዝ ዘኽእል ስጉምቲ ከም ዝወሰዳ የረድኡ፡፡


ናይ ትግራይ ዕንወት ካብ ካልኦት ከም ተሞኩሮ ዝተወሰዳ ሃገራት ፍልይ ዘብሎ እዩ ዝበሉ ሙሁር ፋይናንስን ስነ-ቁጠባን ኣይተ ኣብርሃ ተኽሉ ህዝቢ ትግራይ ዝነበሮ ሃፍቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰሪሑ ዕድመኡ ክምልሰሉ ዝኽእለሉ ጥሪት እዉን እዩ ዓኒዎ ይብሉ፡፡



ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ካብ ካልኦት ባንክታት ብላዕሊ ዘይታኣደነ ወለድ ዘኽፍል ከምዚኣቶም ዝበሉ ከበድቲ እዋናት ክፍጠሩ ከም ዝኽእሉ ተሓሳቢ ብምግባር እዩ ስለ ዝኾነ ድማ ዝበሉ ኣይተ ኣብርሃ ተኽሉ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ትካል ካብ ዘለዎ ልምድን ዓለም ለኻዊ ተሞኩሮን ብምዉሳድ ህዝባዊ ሓላፍነቱ ክፍፅም ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም ኣለው


ተዘይ ኮይኑ ግን ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ናይቲ ትካል ቐንዲ ዓማዊል ንዝኾኑ ሓረስታይ ትግራይን ሰራሕተኛ መንግስትን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘለዉ ዘየፅናዕኻ ዕዳ ክኸፍሉ ምግባር ኢ-ሞራላዉን ዘይሓላፍነታዊ ተግባርን ስለ ዝኾነ ህዝባዉነት እቲ ትካል እውን ናብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ እዩ ኢሎም፡፡


ቦርድ እቲ ትካል ሓዊሱ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ድማ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ እጃሞም ክፍፅሙን መንግስቲ እውን ፖለቲካዊ ፍታሕ ከቐምጠሉን ምሁራዊ ለቦዎኦም ኣቕሪቦም ኣለው።

More info
👇👇👇👇👇👇
t.me/KuluMedia
👆👆👆👆👆👆
ኤርትራ፡ ብሸፋን ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝባ፣፡እቲ 1.3% ወይ 52 ሽሕ ስባት ጥራይ’ዮም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ናይ ምዃን ዕድል ከምዝረኸቡ ዝተሓበረ ኮይኑ


ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ እታ ዝተሓተ ሸፈነ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር ምዃና፣ ካፒታል ቢዝነስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣፍሊጡ

ሓላፊት መሸጣን ርክባትን ኣብ ትካል ማይክሮሶፍት ማእከል ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ታቢዝ ሚየና፣ ኣብቲ ኣብ ቴክኖሊጂን ንግዲን ዘተኩር መርበብ፣ ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑፍ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ምዕባለ የርኢ ምህላዉ ሓቢራ።

ኣብ 2000 ዓ/ም ኣብዛ ኣህጉር 1% ዝነበረ መጠን ተጠቃምነት ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ኣብ 2023 ዓ/ም/ፈናብ 29% ከምዝሰፍሐ ንጸብጻባት ባንኪ ዓለም ብምውካስ ገሊጻ።


እንተኾነ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሒደት ሃገራት ብዙሕ ገስጋስ ከምዘየርኣያ እቲ ኣብ ካፒታል ቢስነስ ዝሰፈረ ጸብጻብ የመልክት።



ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብ70% ሸፈነ ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፣ ኤርትራ ግና ብኣስታት 1% ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ።


ኣህጉራዊ ማሕበር ቴሌኮሚኒኬሽን ኣቐዲሙ ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕቲ፣ ኣብ ዓለም ዝወሓደ ተጠቓሚ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ሰሜን ኮርያን ኤርትራን ምዃነን ምግላጹ ይዝከር።


25 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሰሜን ኮርያ፣ እቲ ኣስታት 20 ሽሕ ወይ ድማ እቲ 0.1% ጥራይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ይርከብ።


ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፣ ኣብ ዓለም ዝወሓደ ብዝሒ ተጠቃሚ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር፣ ኤርትራ፣ ካብ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝባ፣ እቲ 1.3% ወይ 52 ሽሕ ስባት ጥራይ’ዮም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ናይ ምዃን ዕድል ረኺቦም።


ኣብ መንጎ ስጳኛን ፈረንሳን ተቐርቂራ እትርከብ ንእሽቶ ሃገረ ኣንዶራ፣ ኣብዛ ዓለምና ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ኢንተርነት ዘለዋ’ያ።


እዛ ሃገር፣ 77 ሽሕ ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ክህልዋ እንከሎ፣ እቲ 98.9% ተጠቃሚ ኢንተርነት’ዩ።


ከም ኣይስላንድን ኖርወይን ዝኣመሰ ሃገራት ስካንዲናቭያን፣ ልዕሊ 98.4% ካብ ህዝበን ተጠቓሚ ኢንተርነት ብምዃኑ፣ እቲ ዞባ ቀዳሚ ቦታ ይሕዝ።


እቲ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓቖፈ ማሕበር ቴሌኮሙኒኬሽን ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ብደረጃ ዓለም ተጠቃሚ ኢንተርነት ናይ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ 4.54 ቢልዮን ይግምገም።

More info
👇👇👇👇👇👇
t.me/KuluMedia
👆👆👆👆👆👆
ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ባህርዳር ኣትዩ።


ብፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ባህርዳር ሎሚ ረፋድ ኣትዩ ኣሎ ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ ባህርዳር ደ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ምስ በጽሐ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕን ፕሬዝዳንትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ክልልን ተቐቢሎምዎ ኣለው ።


ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን እቲ ሉኡኽ ጉጀለን ምስ ሓላፊ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ዶ/ር ይልቃል ከፋለ ን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልልን ኣብ ርክብ ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይ ኣድሂቦም ክላዘቡ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ



ብተወሳኺ ድማ ኣብ ጉዳይ ራያን ምዕራብ ትግራይን ኣመልኪቱ ፖለቲካዊ ልዝባት ንተኸታታሊ ክልተመዓልታት ድሕሪ ምክያዱ ሓበራዊ መርገጺ ተታሒዙ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ምንጭታት ሓቢሮም ኣለው ።


ሎሚ ረፋድ ናብ መቐለ ምስ ዘመርሐ ሉኡኽ ጉጀለ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ዝዘተየ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ድማ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምቕናዕ ምስ ኣመራርሓ እቲ ክልል ሰፋሕቲ ናይ ምኽከር ምድረኽ ከምዘካየድ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ።

More info
👇👇👇👇👇👇
t.me/KuluMedia
👆👆👆👆👆👆
ኒውዮርክ ከተማ የመስመጥ አደጋ እንዳንዣበበባት ተገለጸ

በኒውዮርክ በየዓመቱ የሚካሄዱ የግንባታ ስራዎች ለከተማዋ መስመጥ ምክንያት ይሆናሉ ተብሏል። የዓለም ዲፕሎማሲ ማዕከል የሆችው ኒውዮርክ የመስመጥ አደጋ እንዳንዣበበባት የከርሰ ምድር ባለሙያዎች ተናግረዋል።

አል ዐይን
347447983_564308072567712_1198547810596577950_n.jpg
148.1 KB
መግለፂ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ
መግለፂ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ
-----
ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ረዲኤት ንከፃሪ መምርሒ ዝተውሃቦ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ዛጊድ ብዝገበሮ ምፅራይ ምጥፍእፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመላኽቱ ርካባትን ተጠርጠርትን ከም ዘለው ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ኣፍሊጡ።
እዚ ርካብ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ዝተሳተፍሉ ኮይኑ እናሃልወ ህዝቢ ትግራይ ረዲኤት ተኸልኪሉ ኣደዳ ጥሜትን ሞትን ክኾዉን ኣግባብነት ስለዘይብሉ ትካላት ተራድኦ ጠጠው ዘበለኦ ሓገዘ ቀልጢፈን ክጅምራ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ፀዊዖም።
------
ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ምፅራይ ዝተጠፋፍአ ሰብኣዊ ረዲኤትን ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ እቲ ሓይሊ ዕማም ዛጊድ ብብርኪ ክልልን ዞባን ዝተጣየሹ ኮሚቴታት ብዘካየድዎ ምፅራይ ምጥፍእፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመላኽቱ ርካባትን ተጠርጠርትን ከም ዘለው ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ተግባራት ስርቅን ምጥፍፋእ እቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ብቐንዱ 5 ኣካላት ተዋሳእቲ ዝነበሩ እንትኾኑ ንሳቶም ድማ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ፣መሓዉር መንግስቲ ፌዴራል ፣መሓውር መንግስቲ ትግራይን ኣተሓባበርቲ ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ከም ዝኾኑ ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ሓቢሮም።
ውፅኢት እቲ ዛጊድ ዝተገበረ ምፅራይ ከም ዘመላኽቶ ድማ ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕ፣ ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ 186 ተጠርጠርቲ ከምዝተረኸቡን 7 ድማ ኣብ ቀይዲ ሕጊ ከም ዝኣተውን እቶም ጀነራል ሓቢሮም።
ብመዳይ ዝተጠፋፍአ ረዲኤት ዝምልከት ድማ :-
፩.ሰራዊት ኤርትራ ኣካል እቲ ኣብ ትግራይ ዝፈፀሞ ጀኖሳይድ ዛጊድ ብዝተገበረ ምፅራይ
ስርናይ 14 ሽሕን 440 ኩንታል
ዘይቲ 43 ሽሕን 200 ሊትሮ
ዓተር 1440 ኩንታል
፪.መሓዉር ፌዴራል
ስርናይ 43 ሽሕን 196 ኩንታል
ዘይቲ 129 ሽሕን 585 ሊትሮ
ዓተር 4184 ኩንታል
፫.ብመሓውር መንግስቲ ትግራይ
ስርናይ 14 ሽሕን 317 ኩንታል
ዘይቲ 42 ሽሕን 759 ሊትሮ
ዓተር 1424 ኩንታል
ካብ ትካላት ተራድኦ ዝተልኣኸ ሰብኣዊ ረዲኤት ከም ዝተጠፋፈአ ርካባት ከም ዝተረኸበ ሓቢሮም።
እቲ ሓይሊ ዕማም ጀሚርዎ ዘሎ ስራሕቲ ምፅራይ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉን ርካባቱ እዉን ንህዝቢ በቢእዋኑ ዕላዊ ከም ዝገብር ዝገለፁ ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ማንጁስ እቲ ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ርካባት ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ግና ትካላት ተራድኦ ሓገዘን ጠጠው ዘብል ከም ዘይኮነን እዚ ተግባር ፀገም ሕ/ሰብ ዘበኣእስ ብምዃኑ ቀልጢፈን ክጅምራ ፀዊዖም።
የኣማራ ክልል ባለስልጥናት በመሃካልቸው የተፈጥረው ኣለመተማመን የጠባቂዎቻቸው ቁጥር እንዲጭምሩ ምክንያት እየሆነ እንደሆነ ተነገረ



በደብረወርቅ ዛሬ የተካሄደው የፋኖ እናብልጽግና ሽምግልና መክሸፉ ተከትሎ የምስራቅ ጎጃም ባለስልጣን ዛሬ ከ10:00-12:00 በደብረወርቅና በመርጦ ለማርያም ባለስልጣን ደህንነት ጉዳይ ስብሰባ ተቀምጠው እንደነበረ የተነገረ ሲሆን፡



የደብረወርቅና የመርጦ ለማርያም ባለስልጣናት ከፍተኛ የጸጥታ ችግር እንዳለባቸው የዞኑ ባለስልጣናት ብስብሰባው ላይ ስምምነት ላይ ከደረሱ ቡሃላ በሁለቱ ከተማዎች ባለስልጣናትን የሚጠብቅ ሁለት መቶ- ሁለት መቶ አድማ በታኝ በቋሚነት እንዲመደብ መውሰናቸው ተሰምተዋል



ከነገ ጀምሮ ይህ ሀይል በተጠቀሱት ከተሞች እንደሚሰመራ የተነገረው ሲሆን ከደብረወርቅ በተገኘ መረጃ ለዚህ ሀይል መኖሪያ ደርግ ያሰራው የእርሻ ሰብል አዳራሽ ስለሆነ ይህ አዳራሽ ነገ ጠዋት እንዲፀዳ ትዛዝ መሰጠቱም ተሰምተዋል፡


የተገኘው መረጃ እንደሚጠቁመው ባለስልጣኑ ቢሮ ሲገቡ ይህ ሀይል ቢሯቸው ሆኖ ይጠብቃቸዋል፣ ቤታቸው ሲሄዱም ቤታቸው አብሮ ሄዶ እንደሚጠብቃቸው ተሰምትዋል


የኣማራ ክልል ብልጽግና ፓርቲ ኣመራሮች እንደዚህ ኣይነት ኣጣብቂኝ ውስጥ በመግባታቸው እርስበራሳቸው ያላቸው መተማመን እና ትስስር እየላላ እንድሄድ ምክንያቱ እየሆነ መሁኑም ተነግረዋል

More info 👉 t.me/KuluMedia
ኩሉ ሚድያ
ድምፂ ሓቂ
30,000 Subscriber YouTube Channel ዝገዝእ

👉 @kulumediasupport
https://kulu-media.com/%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-28-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8C%92%E1%8C%8E%E1%88%9D/

ልዕሊ 28 ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተዓጅቦም ናብ ከተማ ሸራሮ ከምዝኣተው ተገሊፁ።
ስርዓት ብልፅግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ነቲ “ዘካትዕ” ዝበሎ መሬታት ትግራይ ብዝምልከት ብሪፈረንደም ጥራሕ ከም ዝውሰን፣ ናይ ደገ ዝብሃል ሓይሊ እንተይኾነ ሰራዊት ኢትየጵያ ከምዘሎ፣ ተመዛበልቲ እንተልዮም ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ፣ ኤርትራ ሒዛቶ ዝብሃል መሬት ብውዕል ኣልጀርስ ዝተወድአ ከምዝኾነ፣ወዘተ ዝብሉ ምስ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝዋቓዕን ሓሶት ጠቐነታትን እዮም ኣቕሪቦም ኽንብል ምፅብፃብና ዝዝከር እዩ ።
የTiktok አካውንታችሁን ለማሳደግ Join በሉ
👉 https://vm.tiktok.com/ZMHe438MYjHpc-UadC3
Kulu Media ኩሉ ሚድያ pinned «ሰላም ክቡራት ቤተሰብ ኩሉ ሚድያ ካብ ሎሚ ጀሚርና ዜናታትና በዚ ዝስዕብ ቻናል ማለት እውን ​⁠@KuluNews ከም እነቕርብ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ከምቲ ልሙድ Subscribe, Like & Share ብምግባር ምሳና ንክትኮኑ ድማ ንላቦ🙏 የቐንየልና🙏 https://youtu.be/FKRErZHUwM4?si=ZQDWbxSRCJzMji_4 🙏🙏»
Please open Telegram to view this post
VIEW IN TELEGRAM