Kulu Media ኩሉ ሚድያ
7.52K subscribers
100 photos
14 videos
11 files
402 links
Welcome To Kulu Media ኩሉ ሚድያ

ኩሉ ሚድያ - ፍልፍል ፅፉፍን እዋናውን ሓበሬታ
Kulu Media - A source of Latest & Reliable Information.

Subscribe on YouTube
https://youtube.com/c/KuluMedia


Follow us on Facebook
https://facebook.com/KuluMedia
Download Telegram
✍️ወድብ ስምረት ንህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምታቱን ኣወዳድባ ኣባላቱን መኺሩ ፖለቲካዊ ስብእንኡ ብምጥንኻር ናብ ቀፃሊ ብርኪ ዘሰጋግር ስራሕ ከም ዝወገነ ኣፍሊጡ።

✍️ጊዝያዊ ኣተሓባባርን ኣቦ ወንበርን ውድብ ስምረት ተጋዳላይ ጌታቸው ረዳ ከምዝገለፅዎ ውድብ ስምረት ኣብ ትግራይ በብእዋኑ ንዝለዓሉ ዘለው ጠለባት ለውጢ ህዝብን ሰራዊትን ብራኽኡ ፣ ቀንዲ ፖለቲካዊ ፀገም ትግራይን ቀፃሊ መፍትሒኡን ኣንፈት ክቕመጡ ዝግበኦም - ኣንፈት ቃልስን መስርሑን ድሕሪ ምቕማጥ ውድቦም ናብ ቀፃሊ ብርኪ ንምስግጋር ይሰርሑ ከም ዘለው ኣፍሊጦም።

✍️ዉድብ ስምረት ካብ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ቅድመ አፍልጦ ከምዝረኸበ ዝፍለጥ ኮይኑ ናብ ሙሉእ ቁመና ዉድብ ንምስግጋር ዘኽእሎ ስራሕቲ ብብቕዓት ይውግን ምህላው ምስ ኣባላት ወዳቢት ኮሚቴ ገምጊሙ'ሎ።

✍️ካብዚ ብተወሳኺ ክሳብ ሕዚ ንዝነበርዎ ጥንኩርን ድኹምን ጎንታት ብምግምጋም ዝተርኣዩ ሃጓፋት ብምእራም ዝያዳ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ንምስራሕ ዘኽእሉ ቀፀልቲ ኣንፈታት ብምቕማጥ ንሓደ መዓልትን ፈረቓን ዝፀንሐ ኣኼባ ብስሙር መንፈስ ዛዚሙ።
1
ጀነራል ምግበይ ሃይለ እንታይ በለ?

ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ሕቶ መሃያን ጥቕማ ጥቐምን መስርሒ መንበሪ ገዛን ክወሃቦም ንምሕታት 7 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ብኣንፈት ከተማ ሃገረ-ሰላም ናብ መቐለ ዘእቱ መንገዲ መካይን ብምዕፃውን ጀነራላት ብምዕጋትን ተቓውሞ ንዘስምዑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣርሚ 50 ኣብ ዝተዛረቦ ዘረባ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

"... ምዕራብ ኣበይ ኣሎ ? ንደማመፅ ፀገምና ንፍታሕ ። እቶም ኣብ ሓራ መሬት ዘለው ኣሕዋትና ተጋግዮም እዮም ይመለሱ። ብዝግባእ ምርድዳእን ክንክንን ክንቅበሎም ኢና።

ዝኾነ ሰብ ናብ ሓራ መሬት ዝኸደ ይመለስ : ክኸይድ ዝሓሰበ እውን ደው የብሎ ። ኣብ ዓዱ ኾይኑ መሰሉ ይሕተት ። ካብ'ዚ ወፃኢ እንተመሪፁ ድማ ይኹን።

ኣነ ምሳኹም ኣለኹ ። እቶም ዝኸዱ እውን ይምፅኡ እሞ ሓቢርና ንቃለስ ። ምፁ በልዎም ። ከም ህዝቢ ኣብ ፀገም ኣለና ። ካብ ፀገምና ንምውፃእ ድማ ከም ህዝቢ ብሓባር ንቃለስ ። ከም ሰራዊት ኣብ ፀገም ኣለና ። ሓደ ኮይንና ፀገምና ንምፍታሕ ንቃለስ ። ሕቶ ትግራይ ኣይተመለሰን ። ብሓባር ተቓሊስና ንመልሶ ። ..." ክብል ተዛሪቡ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብዙሓት ኣባላት ሰራዊትን ተጋሩን “ንዓኹም ሒዝና ናብ ኲናት ኣይንኣቱን። ደቅኹምን ቤተሰብኩምን ኣብ ዱባይን ኣሜሪካን ኣቐሚጥኩም ብደቂ ድኻ ዕድሜኹም ኣይተናውሑን።” እናበሉ ይርከቡ።

ንስኹም ከ ኣብዚ ጉዳይ ዘለኩም ሓሳብ እንታይ ይመስል?

ሓሳብኩም ኣካፍሉ።

@KuluMedia
ዓበይቲ መርበባት ሓበሬታን መተግበሪን ዓለም ሃንደበት ኣቋሪጾም
------------
ኣብ ኣገልግሎት መርበብ ኣማዞን [AWS] ብሰንኪ ዘጋጠመ ሃንደባታዊ ምቍራጽ፡ ዓሰርተታት ፍሉጣት መርበባት ሓበሬታ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኖም። እቲ ሰኑይ ኣብ ሰዓታት ረፋድ [ኣቈጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ] ዘጋጠመ ክስተት፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ መርበብ ኣማዞን ዝዓዩ፡ ስናፕቻት፡ ዱወ-ሊንጐ፡ ሮብሎክስ፡ ካንቫ፡ ዙም፡ ኣማዞን፡ ሲግናል... ዝኣመሰሉ ብዙሃት ተጠቀምቲ ዘለውዎም መተግበሪታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኖም።
ነቲ ኵነታት ንምፍታሕን ነቲ ጠንቂ ንምርዳእን መሃንድሳቱ ኣብ ስዑቕ ስራሕ ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ኣማዞን ኣፍሊጡ። ኣገልግሎት መርበብ ኣማዞን፡ ከም ትሕተ ቅርጺ መርበባት ሚልዮናት ዓበይቲ ኩባንያታትን መድረኽ መተግበሪታትን ዘገልግል ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጠር ዝዀነ ይዅን ተጓንፎ ንብዙሓት ትካላትን ውልቀሰባትን ብቐጥታ ከምዝጸሉ ምግማት ይከኣል።
መብዛሕትኦም እዞም ኣብ ሞባይላትና እንጥቀመሎም መተግበሪታት፡ መርበብ ኣማዞን ከም ትሕተ=ቕርጺ ዝጥቀሙ እዮም።
ብዘይካ’ዞም ዝተጠቕሱ ዝውቱራት መተግበሪታት፡ ኣብ ገለ ቦታታት እውን ኣገልግሎት ባንክ ተቛሪጹ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። በዚ መሰረት ሃሊፋክስ፡ ሎይድስ ከምኡ’ውን ባንክ ስኮትላንድ ደው ኢሎም ኣለዉ።
ኣሽሓት ሰባት፡ ድሮ ካብ ሞባይላቶም ኣገልግሎት ባንክ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ የመልክቱ ኣለዉ።
ኣማዞን ድሒሩ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ነቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ጸገም ክከውን ዝኽእል ጠንቂ ኣለሊና ኣለና ኢሉ’ሎ።
ስእሊ፡ DownDetector
@KuluMedia
#Update
" እቲ ናይ ሎሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመ ካብ ከባቢ ፈንታለ እዩ፤ ብመስፈር ሪክተር 4.8 ድማ ተለኺዑ'ሎ " - ፕ/ር ኣታላይ ኣየለ
#Update

" እቲ ናይ ሎሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመ ካብ ከባቢ ፈንታለ እዩ፤ ብመስፈር ሪክተር 4.8 ድማ ተለኺዑ'ሎ " - ፕ/ር ኣታላይ ኣየለ

ሎሚ 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ፈንታለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ሰዓት 2:25 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ'ውን ዝተሰምዐ ክኸውን ከሎ፣ " ኣብዚ ክንድዚ ተሰሚዑና እንተኾይኑ፣ ኣብቲ ቀንዲ ዘጋጠመሉ ቦታ ዘለዉ ሰባት ከመይ ኮይኖም ይኾኑ? " ክብሉ ቤተሰብ ትክቫህ ኢትዮጵያ ሓሳቦም ገሊፆም።

ትክቫህ ኢትዮጵያ'ውን፣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መብርሂ ሓቲቱ እዩ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ኢንስቲትዩት ጂኦ ፊዚክስ ስፔስ ሳይንስን ኣስትሮኖሚን ዝኾኑ ፕ/ር ኣታላይ ኣየለ፣ " እቲ ናይ ሎሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመ ካብ ከባቢ ፈንታለ እዩ፤ ብመስፈር ሪክተር 4.8 ድማ ተለኺዑ'ሎ " ኢሎም።

እቲ ምንቅጥቃጥ ሰዓት 2:24 ቅድሚ ቀትሪ ከምዘጋጠመ ድሕሪ ምግላፅ፣ " ኣብ ብዙሓት ከተማታት'ውን ተሰሚዑ እዩ " ክብሉ ንትክቫህ ኢትዮጵያ ተዛሪቦም።

"ፈንታለ ቁሩብ ህድእ ኢሉ ነይሩ፣ ሕጂ'ውን ቀፃልነት ኣለዎ ማለት ድዩ?" ኢልና ዘቕረብናሎም ሕቶ፣ " እቲ ናይ ፈንታለ ህድእ ኢሉ'ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ናይ ምውጣር ነገር ኣሎ፤ ህድእ ኣይበለን፤ ብመሳርሒ ንከታተሎ ኢና " ክብሉ መሊሶም።

" ኩሉ ግዘ ምድሪ ብዘይቋረፅ ምንቅስቓስ'ያ ትህሉ'ሞ፣ ኩሉ ግዘ
#ተዳልና_ምፅባይ እዩ ዘድሊ እምበር፣ በዚ እዋን ይጠፍእ፣ በዚ እዋን ይቋረፅ ዝበሃል ነገር የለን። ከም ሰባሪ ዜና ክንደነቕ የብልናን፣ ክንለምዶ ኣለና " እዮም ኢሎም።

ኣብ ቀረባ እዋን'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ ከምዘጋጠመ ጠቒሶም፣ " ኣብ ከባቢ ምብራቓዊ ክፋል ሓውዜንን ውቕሮን፣ እቲ ዝለዓለ 5.6 ዝተለኽዐ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብተደጋጋሚ ኣጋጢሙ እዩ " ኢሎም።

" እቲ ናይ ትግራይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብቲ ናይ ፈንታለ ጋር ዝተኣሳሰረ ዘይኮነስ፣ ናቱ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ እዩ፤ ከባቢ ስንጥቕ ሸለቆ ኩሉ ግዘ ብዘይቋረፅ ምንቅስቓስ ስለዝኾነን ናብ ዓፋር ቀረባ ስለዝኾነን እቲ ናቱ ኣለዎ፤ እቲ ናይ ፈንታለን ናይ ትግራይን ክልቲኡ ባህሪ ስንጥቕ ሸለቆ እዩ " ክብሉ'ውን ኣረዲኦም።

" ነቲ ስንጥቕ ሸለቆ ስዒቡ እቲ ሓደጋ ይደጋገም ኣሎ፣ ኣብ ፈንታለ፣ ኣፍዴራ፣ ኤርታሌ ነይሩ። ምድሪ ብዘይቋረፅ ምንቅስቓስ ውሽጢ እያ ዘላ፤ ክንለምዶ ኣለና " ክብሉ ንትክቫህ ኢትዮጵያ ገሊፆም እዮም።

#KuluMedia
t.me/KuluMedia
1
ኤርትራን ግብፅን

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሓሙሽተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፡ ትማሊ ለይቲ ናብ ግብፂ ከም ዝኸዱ፡ ሚኒስትሪ ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ፕ/ ኢሳይያስ " ንዑ " ኢሎም ዕድመ ዘቕረቡሎም፡ ፕረዚደንት ግብፂ ዓብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ እዮም።

ኣብቲ ናይ 5 መዓልቲ ጻንሖቶም፡ ኣብ ክልተኣዊ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ክዘራረቡ ምዃኖም ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ቅድሚ ሕጂ (ቅድሚ ኣዋርሕ) ናብ ካይሮ ተጓዒዞም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ግብፂ እውን፡ ብዘይካ ፕረዚደንታ ኣል ሲሲ፡ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት ናብ ኤርትራ ከተመላልስ፡ ስምምዓት ክትፈርም ጸኒሓ እያ።

ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዘይምርድዳእ ኣትየን ኣብ ዝነበራሉ እዋን፡ ሰባት ግብፂ ናብ ሶማልያ ክመላለሱ፡ እቶም ሶማላውያን እውን ናብ ግብፂ ክመላለሱ፡ ምስ ኤርትራ ኮይኖም " ስምምዕ ተፈራሪምና " ክብሉ ጸኒሖም እዮም።

ግብፂ ንኢትዮጵያ ዝጻረርን " የዳኽማ እዩ " እትብሎ ሓይልን ኣጀንዳን ትርከብ እምበር፡ ነዚ ካብ ምጥቃም ንድሕሪት ከም ዘይትብል ብተደጋጋሚ ኣርእያ እያ።

ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘይምርድዳእ ይፍጠራ እምበር፡ ነቶም መራሕቲ " ንዑ ኣጆኹም ኣነ ኣለኹ " እናበለት ከም እትዕድሞምን፡ ልኡኻታ ናብተን ሃገራት ከም እተመላልስን፡ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮና እዩ።

ኩሉ ሚድያ

@KuluMedia
ንጉዱኣት ኣካል ተጋደልቲ ንምሕጋዝ ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ
———-///———-

ኣብ ማእኸላት ምውፋር ኣውቶቡስ ትግራይ ዝተኣታተወ ኢ - ቲኬት ኣሰራርሓ ንልዕሊ 250 ወገናት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ኢሉ ቢሮ መጓዓዝያን ትራንስፖርትን ትግራይ ።

እቲ ቢሮ ወሲኹ ከምዝሓበሮ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 96 ሚልዮን ሰባት በቢዓመቱ ካብን ናብን ብመጓዓዝያ ህዝቢ ይጓዓዙ ።

ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ነብሲ ወከፍ ተጓዓዛይ ሓንቲ ብምእካብ ልዕሊ 96 ሚልዮን ብር በቢዓመቱ ንጉዱኣት ኣካል ተጋደልቲ ንምሕጋዝ ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ፕሮጀክት ካብ ፅባሕ ጥቅምቲ 21 ጀሚሩ ንምትግባር ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ምስ ቢሮ መጓዓዝያን ትራንስፖርትን ትግራይ ሎሚ ጥቅምቲ 20/2018 ዓ.ም ናይ ሓባር ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

t.me/KuluMedia
2
Please open Telegram to view this post
VIEW IN TELEGRAM
✝️ በአርሲ ዞን ስለተገደሉ የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አማኞች ሙያዊ መግለጫ

በአርሲ ዞን በኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን (ኢ/ኦ/ተ/ቤ/ክ) አማኞች ላይ ስለተፈጸሙ ግድያዎች ከቅርብ ጊዜ ሪፖርቶች እና ይፋዊ መግለጫዎች የተሰበሰበ ሙያዊ ማጠቃለያ።

ይህ ርዕሰ ጉዳይ ከባድ እና በሰብአዊ ቀውስ የተሞላ በመሆኑ፣ ይህ ጽሑፍ በዋናነት በሚዲያ ከተዘገቡ እና ተቋማዊ በሆኑ ምንጮች (እንደ ቤተ ክርስቲያኗ መግለጫ) ላይ የተመሠረተ ነው።

1. የቅርብ ጊዜ ክስተት (ጥቅምት 2018 ዓ.ም. / October 2025 G.C.)
በጣም በቅርብ ጊዜ በስፋት የተዘገበው ክስተት በኦሮሚያ ክልል፣ በምሥራቅ አርሲ ዞን በተለያዩ ወረዳዎች የተፈጸመ የተቀናጀ የሚመስል ጥቃት ነው።
• የኢ/ኦ/ተ/ቤ/ክ ቋሚ ሲኖዶስ መግለጫ፦

የቤተ ክርስቲያኗ ቋሚ ሲኖዶስ በጥቅምት 2018 ዓ.ም. (October 2025) ባወጣው መግለጫ፣ በምሥራቅ አርሲ ዞን በጉና፣ በመርቲ፣ በሸርካ እና በሆሎንቆ ዋቢ ወረዳዎች በሚገኙ የኦርቶዶክስ ተዋሕዶ እምነት ተከታዮች ላይ "አሰቃቂ ግድያ" መፈጸሙን አውግዟል።

• የተጎጂዎች ቁጥር እና የጊዜ ሰሌዳ (በሲኖዶሱ መግለጫ መሰረት)፦
• ጥቅምት 14-15 ቀን 2018 ዓ.ም.፦ በጉና እና መርቲ ወረዳዎች 17 ክርስቲያኖች ተገድለዋል።
• ጥቅምት 17-18 ቀን 2018 ዓ.ም.፦ በሸርካ ወረዳ 3 ክርስቲያኖች ተገድለዋል።
• ጥቅምት 18-19 ቀን 2018 ዓ.ም.፦ በሆንቆሎ ዋቤ ወረዳ 5 ክርስቲያኖች ተገድለዋል።
• ጠቅላላ፦ በመግለጫው በተጠቀሱት ቀናት ብቻ 25 አማኞች መገደላቸው ተገልጿል።
• ተጨማሪ ሪፖርቶች፦
• እንደ ካቶሊክ ሄራልድ እና አፍሪካን ፕሬስ ኤጀንሲ (APA) ያሉ ዓለም አቀፍ ምንጮችም በጥቅምት ወር በምስራቅ አርሲ ዞን ከ25 በላይ ኦርቶዶክስ ክርስቲያኖች መገደላቸውን ዘግበዋል።
• ሪፖርቶቹ ከሟቾቹ መካከል በአንድ ቤተሰብ ውስጥ 5 ሰዎችን ያካተተ ጥቃት በሆንቆሎ ዋቢ (ሲልጣና) ወረዳ መፈጸሙን ይጠቅሳሉ።
2. የጥቃቱ ፈጻሚዎች እና አውድ
• ፈጻሚዎች፦ አብዛኞቹ ሪፖርቶች ጥቃቱን የፈጸሙት "ባልታወቁ ታጣቂዎች" ወይም "በታጠቁ ኃይሎች" እንደሆነ ይገልጻሉ።
• ተያያዥ ውንጀላዎች፦ አንዳንድ የዜና ምንጮች እና የአይን እማኞች ጥቃቱ "በሃይማኖት ተነሳሽነት" የተፈጸመ እንደሆነ ገልጸዋል። የካቶሊክ ሄራልድ ዘገባ "የኦሮሞ ነጻነት ጦር (OLA) ለአንዳንዶቹ ጥቃቶች ተጠያቂ ተደርጓል" በማለት ሪፖርት አድርጓል።
• የሌሎች አካላት ምላሽ፦ ይህን ጥቃት የኢ/ኦ/ተ/ቤ/ክ ቋሚ ሲኖዶስ ብቻ ሳይሆን፣ የኢትዮጵያ ወንጌል አማኞች አብያተ ክርስቲያናት ካውንስል፣ የኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ጳጳሳት ጉባኤ እና አንዳንድ የፖለቲካ ፓርቲዎችም አውግዘውታል።

3. ቀደም ያሉ ተመሳሳይ ክስተቶች (የችግሩ ቀጣይነት)
በአርሲ ዞን በአማኞች ላይ የሚደርሰው ጥቃት የቅርብ ጊዜ ክስተት ብቻ አለመሆኑን ሪፖርቶች ያሳያሉ። ችግሩ ቀጣይነት ያለው የጸጥታ ቀውስ አካል መሆኑን መረጃዎች ይጠቁማሉ።
• ነሐሴ 2016 ዓ.ም. (August 2024)፦ አዲስ ስታንዳርድ እንደዘገበው፣ በአርሲ ዞን አሰኮ ወረዳ በተፈጸመ ጥቃት አንድ ካህንን (ቄስ በላይነህ ማሞ) ጨምሮ 6 ሰላማዊ ሰዎች ተገድለዋል። የአካባቢው ነዋሪዎች ጥቃቱን የፈጸመው "ሸኔ" (OLA) ነው ሲሉ፣ የቡድኑ ቃል አቀባይ ግን ክሱን አስተባብሎ በመንግስት ኃይሎች ላይ አላክኳል።
• የ2023 ቀውስ (ጥር/የካቲት 2015 ዓ.ም.)፦ በወቅቱ ከነበረው የቤተ ክርስቲያኗ መዋቅራዊ ቀውስ (Schism) ጋር በተያያዘ በምዕራብ አርሲ ዞን ሻሸመኔ ከተማ በተፈጠረ ግጭት፣ የጸጥታ ኃይሎች በወሰዱት "ከመጠን ያለፈ ኃይል" ቢያንስ 8 አማኞች መገደላቸውን የኢትዮጵያ ሰብዓዊ መብቶች ኮሚሽን (ኢሰመኮ) ማስታወቁ ይታወሳል።
4. የመረጃ አጠቃቀም ማስጠንቀቂያ
በተለይ ከቅርብ ጊዜው የጥቅምት 2025 ጥቃት ጋር በተያያዘ፣ "መልቲ ፋክት ቼክ" (MultiFactCheck) የተባለ እውነታ አጣሪ ተቋም፣ በማኅበራዊ ሚዲያ የሚሰራጩ አንዳንድ ምስሎች አሳሳች መሆናቸውን አረጋግጧል። ሪፖርቶች ግድያው መፈጸሙን ቢያረጋግጡም፣ በማኅበራዊ ሚዲያ ከጉዳዩ ጋር ግንኙነት የሌላቸው የቆዩ ምስሎችን (ለምሳሌ ከ2015 ሆንቆሎ ዋቤ ወይም ከጎንደር የተወሰዱ) በመጠቀም የተሳሳተ መረጃ እንደተሰራጨም አስጠንቅቋል።

ማጠቃለያ

በአርሲ ዞን፣ በተለይም በምስራቅ አርሲ፣ የሚኖሩ የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አማኞች ተደጋጋሚ እና ለሞት የሚዳርጉ ጥቃቶች ሰለባ መሆናቸውን የቤተ ክርስቲያኗ ይፋዊ መግለጫዎች እና የተለያዩ ገለልተኛ የሚዲያ ሪፖርቶች ያመለክታሉ። የቅርብ ጊዜው የጥቅምት 2025 ጥቃት በሲኖዶሱ እና በሌሎች የሃይማኖት ተቋማት የተወገዘ ሲሆን፣ ክልሉ ከባድ የጸጥታ ስጋት እንዳለበት ያሳያል።
3
https://tigrignamusic.com/eyerusalem-amde-niud-new-tigrigna-music-2026/
Eyerusalem Amde-Niud-New Tigrigna Music 2026 - (Official Video)-Bridge Sounds | Tigrigna Music Charts
‎Follow the Kulu Media | ኩሉ ሚድያ channel on WhatsApp: https://whatsapp.com/channel/0029VbC58aqKmCPHJmFqu53Y
1
Join our WhatsApp Channel 🙏
#እዋናዊ_ሓበሬታ

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ካብ ወገን ኢራን ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመለን ኣፍሊጠን።

ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝተሰነዘረሎም ቦታታት እዩ። በቲ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ እኳ እንተነበረ፡ ከቢድ ጉድኣት ከየብጽሐ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለ ተገሊጹ ኣሎ።

ኢራን ናብ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ኣስታት 2 ሽሕ ዝኾኑ ሚሳይላትን ድሮናትን ዝወንጨፈት ክትኸውን ከላ፡ ስርዓተ ምክልኻል ኤምሬትስ ግን ሓያሎ ካብኣቶም ከምዘፍሸሎም ተሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብ እውን ሓያሎ ናይ ኢራን ድሮናት ከምዝመሃመት ኣፍሊጣ። ብተመሳሳሊ ዒራቅን ኩዌትን እውን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመለን ገሊጸን ኣለዋ።

እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ዝቐጸሉ ክኾኑ ከለዉ፡ ኣብ ርእሰ ኸተማ ቴህራን ሓያል ደብዳብ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ኣብ ርእሰ ኸተማ ሊባኖስ ቤይሩት ድማ ብርቱዕ ነታጒ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመት መሰረተ ልማዕ ሄዝቦላ ንምዕናው ከምዝኾነ ገሊጻ ኣላ።

ኣብ እስራኤል ካብ ሰሜን ወገን ብሄዝቦላ፡ ካብ ደቡብ ድማ ብኢራን ሚሳይላት ክመጹ እዮም ብዝብል ስግኣት ናይ ሓደጋ ደወል ይስማዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ምንጪ ሓበሬታ፡ ቢቢሲ (BBC)

መጋቢት 7/2018 ዓ.ም
@KuluMedia
Website: https://www.kulu-media.com/
Addis Ababa has introduced a strict mobile phone ban across several government offices as part of efforts to improve efficiency and public service delivery.

Authorities say the move targets workplace distractions and has already led to faster processing times in some departments.

Full article:
https://www.kulu-media.com/addis-ababa-mobile-phone-ban-government-offices/
This media is not supported in your browser
VIEW IN TELEGRAM
ቪድዮ ፦ ጠ/ሚ ዐቢይ አሕመድ (ዶ/ር) የትግራይ ክልል ጊዜያዊ አስተዳደር ዓመታዊ የአፈፃፀም ሪፖርት ገምግመዋል።

ጠ/ሚኒስትሩ በትግራይ ክልል ጊዜያዊ አስተዳደር ፕሬዝዳንት ሌ/ጄኔራል ታደሰ ወረደ አመታዊ የአፈፃፀም ሪፖርት ቀርቦላቸው በውጤቶቹ ላይ ግምገማ እና ውይይት መደረጉንም የጠቅላይ ሚኒስትር ፅ/ቤት አስታውቋል።

@KuluMedia
#TadeseWerede #AbiyAhmed